Telmeden(ተልመዴን)

Telmeden(ተልመዴን)

Educational | Zemen Solutions

在電腦上使用BlueStacks –受到5億以上的遊戲玩家所信任的Android遊戲平台。

網頁修改於: 2019年12月7日

Play Telmeden(ተልመዴን) on PC

ተልመዴን(🚗) ፍርያት ናይ ትካል ዘመን ሶሉሽንስ (zemensolutions) ኮይኑ ንተዛረብቲ ቃንቃ ትግርኛ በቲ ዝመልክዎ ቃንቃ፡ ሕግታት ትራፊክ ወይ ምምራሕ ማኪና ንክመሃሩን ክለማመዱን ኣብ ሞባይል ኣውሪድና ንጥቀመሉ መተግበሪ ወይ ኣፕሊከሽን ኢዩ። ነዚ ስራሕ ንምስራሕ ኣዚዩ ብዙሕ ሃልክን ግዜን ኡካ እንተሓተተ፣ ተወዲኡ ሰባት ክጥቀምሉ ምርኣይ ግን እቲ ዝዓበየ ዓወትን ዕግበትን ስለ ዝኾነ ኣብ ትሕዝቶ ይኹን ኣቀራርባ ንዝራኣዩ ጉድለታት ክትሕብሩናን ክትእርሙናን በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።

ኣብዚ ቀሪቦም ካብ ዘለዉ ጽሑፋትን መለማመዲ ሕቶታትን እዋናውያን ኮይኖም ብልጽነቶም ድማ ምስ በዓል መዚ መጋዓዝያ ሽወደን(transportstyrelsen) ከምኡ ዉን መንግስታዊ ክፍሊ ሙቁጽጻር ትራፊክ(trafikverket) ብዝኽተሉዎ መስርሕ ተገምጊሙን ተኣሪሙን ዝቀርብ ኮይኑ፡ ናይ ተማሃሮ ደረጃ ፍልጠቶም ኣብ ትራፊክ ክብ ኣብ ምባል ዝጻወቶ ታራ ቀሊል ከምዘይከዉን ብምትእምማን ንገልጽ። ሒዙዎ ቀሪቡ ካብ ዘሎ ትሕዝቶታት'ምበኣር፡

✔️ ልዕሊ 500 እዋናዊ መለማመዲ ሕቶታት
✔️ ልዕሊ 250 ስእልታትን መግለጺታትን
✔️ ልዕሊ 400 ማለት ናይ ሽወደን ብምሉኡ ምልክታት ትራፊክ
✔️ ሕጋጋትን ክልሰ ሓሳብ ምምራሕ ማኪና
✔️ ተወሰኺ መብርሂታት ንመለማመዲ ሕቶታት
✔️ ልምምድ ፈተና ነካይደሉ ዓምዲ
✔️ ከምኡ ዉን መምርሒ ፍቃድ ንምውጻእ ዝሕግዝ ዝርዝር ሓበሬታ

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ገለ ካብ ትሕዝቶታት ተልመዴን ኮይኖም መዓልታዊ ድማ ሓደሽቲ ሕቶታት ይውሰኹዎ። ኣብ ኢድና ዘሎ፡ ልዕሊ 1000 ሕቶታት'ኡካ እንተኾኑ፡ ብቅዓቶምን እዋናውነቶምን ተራእዩ ድማ ተጻፊፎም ክውሰኹ ሙኻኖም በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጸልኩም።

ተልመዴን ኣብ ናይ ሽወደን ሕግታት ትራፊክ ተሞርኪሱ ኩሎም እዋናውያን ሕጋጋትን ትሕዝቶታትን ኣማሊኡ ዝተሰርሐ ኢዩ። ንተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ሽወደን ቀንዲ ዕላማ ዝገበረ ስለ ዝኾነ ንዝህሉ ቅሬታ ኣቀዲምና ይቅሬታ ንሓትት። ኮይኑ ግን ሕግታት ትራፊክ ናይ ዝበዘሓ ሃገራት ሓደን ተመሳሳልን ምስ ሙኻኑ፣ ከምኡ ዉን ዓለም ለኻዊ ክሳብ ዝኾነ ሓደ ሓደ ፍልልያት ገዲፍና ንመጽናዕትን ልምምድን ዓቢ ተራ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ እቶም ኣብ ካልእ ሃገራት እንቅመጥ ክንጥቀመሉን ክንመሃረሉን ከምዝከኣል ክንሕብር ንፈቱ።

ናይ ተልመዴን ትሕዝቶታት ክንጥቀመሉ ግድን ኢንተርነት ክህልወና ኣለዎ፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሕግታት ትራፊክ ቀጻሊ ዝሕደሱን ዝመሓየሹን ምስ ምኻኖም፣ ትሕዝቶ እዛ መተግበሪ ወይ ኣፕሊከሺን፡ ቀጻሊ ንምክትታልን ምሕዳስን ሙኻኑ ክንሕብር ንፈቱ። ትሕዝቶ ተልመዴን ንምህብታም ኣብ ቀጻሊ ስራሕን ዕዮን ስለ ዘለና፡ ዝጎደለ ምስ ዝህሉ ክትሓቱናን ክትውከሱናን ከምትኽሉ ብትሕትና ነፍልጥ።

在電腦上遊玩Telmeden(ተልመዴን) . 輕易上手.

  • 在您的電腦上下載並安裝BlueStacks

  • 完成Google登入後即可訪問Play商店,或等你需要訪問Play商店十再登入

  • 在右上角的搜索欄中尋找 Telmeden(ተልመዴን)

  • 點擊以從搜索結果中安裝 Telmeden(ተልመዴን)

  • 完成Google登入(如果您跳過了步驟2),以安裝 Telmeden(ተልመዴን)

  • 在首頁畫面中點擊 Telmeden(ተልመዴን) 圖標來啟動遊戲

觀看影片